ስብከት

24/11/22

                              መንፈሳዊ ዉህበታት    

1ይ ቆረንቶስ 12 1፤ ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።

ውህበት ክንብል ኮለና ኣብ ክልተ ንኸፍሎ ተፈጥሮኣዊ(Natural)መንፈሳዊን(Spiritual gifts) ተፈጥሮኣዊ ንኹሉ ፍጥረት ዝተዋህበ; ዝነብረሉ ጥበብ።ብፍላይ ንሰብ ከኣ ዝተፈላለየ ውህበት ተዋሂቡ ኣሎ መታን ክንነብርን ንኣምላኽ ከነኽብርን።ንኣብነት አደጥበብ፣ሙዚቃ፣ግጥሚ፦

                    I.  መንፈሳዊ ዉህበት ብምልኣት እኳ እንትዘይ በልናዮ ካብ ምጀመርያ ኣብ ዉሱናት ሰባት ነይሩ አዩ፦ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ሰባት፡

1/ንጽንዓትን ብርታዔን ዝተዋህበ ጥበብ

መሳፍንቲ 14

6፤ መንፈስ እግዚኣብሂር ከኣ ወረዶ፡ ኣብ ኢዱ ገለ እኳ ዜብሉ ኽነሱ፡ ንማሕስእ ከም ዚሰላልዕ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ዀነ ነዲኡ ኣይነገሮምን።

 መሳፍንቲ 6

34፤ ንጊዴዎን ከኣ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ። ንሱ መለኸት ነፍሔ፡ ኣቢዔዝራውያን ከኣ ተአኪቦም ሰዓብዎ።

1ይ ሳሙኤል 16

13፤ ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ። 

2/ኢደጥበብ(Skills)

ዘጸአት 36

1፤ በሳልኤልን ኦሆልያብን ኵሎም ጥበብ ልቢ ዘለዎም ሰባትን ንኣገልግሎት መቅደስ ዚኸውን ኵሉ ዕዮ ምዕያይ ኪፈልጡ፡ እግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ዝሀቦም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር ኪገብሩ እዩም።

3-5፤ ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሐስብ፡ ንምዝናቕ ዚኸውን ኣእማን ኪቐርጽ፡ ዕጨይቲውን ንምጽራብ፡ ኵሉ ዕዮ ንምግባር መንፈስ ኣምላኽ

መሊኤዮ ኣሎኹ።

3/ንመሪሕነት

ዘጸአት 35 ፡31፤ ንእኡ ድማ ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦ፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን፡(ንሙሴ)

ዘሁልቊ 11፡25፤ እግዚኣብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ንእኡ ተዛረቦ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሰደ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣንበረ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዐረፈ፡ ተነበዩ፡ ግናኸ ኣይደገምዎን።ስ

ዘዳግም 34፡9፤ ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፣ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፣ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ከኣ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገይሮም ተአዘዝዎ።

መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ዝወረደሉ ግና ካብታ መጋብነት ወዲ ኣብቂዓ መንፈስ ቅዱስ ዝተተከኣላ አዩ።

 ዮሃንስ 16 ፡7፤ ግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።

 መጋቢነት መንፈስ ቅዱስ ዝኾነላ ጊዜ አዚ  ክብሃል ከሎ ግና የሱስ  ወይ ኣቦ የለውን ማለት ዘይኮነስ ከምቲ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ብእግዚኣቢሄር ኣቦ ዝፍለጥ ከምኡ ከኣ የሱስ ኣብምድሪ ዝነበረሉ ብወዲ ይፍለጥ ድሕሪ እዚ ግና ዘመን መንፈስቅዱስ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ግብሪ ሃዋ 2፡2፤ ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ።

3፤ እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ።

4፤ ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።

አዚ ከኣ ኣቀዲሙ ብትንቢት ዝተነግረ እዩ።

II. ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተነግረ

1.ብነብያት ዝተነግረ ኣዩ

ዮኤል 2 (Joel)

28፤ ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።

ኢሳይያስ 32፡15፤ መንፈስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ዚከዐወና ከምዚ ኪኸውን እዩ። ሽዑ እቲ ምድረ በዳ ኸም ፈራዪ ሽዕበት ኪኸውን፡ እቲ ፈራዪ ሽዕበት ድማ ከም ዱር ኪቝጸር እዩ።

ኢሳይያስ 44፡3፤ ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ፡ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፡ በረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ እሞ፡4፤ ከም ዕቦል ኣብ ጥቓ ወሓዚ ርባ፡ ኣብ ማእከል ሳዕሪ ኺበቚሉ እዮም።

ሀ/ኣብዚ ነስተብህል መንፈስ ቅዱስ ምስፈሰሰ ለውጢ ኣብሂወት ክረኣ ናይግድን አዩ

ኣብ ሓድሽ ኪዳን አውን ገላትያ 5፡16፤ ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

22፤ እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።

ለ/መንፈስ ዝተመልአ ሰብ እዚ ፍረ መንፈስ ኣሎዎ።

2.ብየሱስ ዝተነግረ[ተስፋ ኣቦ፡ ነቶም ክርስቲያናት ዝተዋህበ-]

ሉቃስ 24፡ 49፤ እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።

ግብሪ ሃዋ 1፡4-5፤ ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም።

ዮሃንስ 14፡26፤ እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

III. ስለዚ መንፈስ ቅዱስ

እምላኽና  እዩ ፡ብመንፈስ ክንመላለስ፡ንዓለም ኽንስዕር፡ ጽድቂ ቅድስና ዘልብሰና ፡ህያዋን ክንከውን ምሉእ ፍቕሪ ክህልወና፡ ኾታስ ኣባና ፍረመንፈስ ዝራኣየሉ ሂወት ዝገብር  እዩ፡እንበር  መገጺ  ወይ  መመክሒ  ወይዉን ክምድላይካ ንድላይካ አትጥቀመሉ ንብርትካ ወይ ባርያኻ ዘይኮነስ ጎይታኻ ገዛ ኢኻ መራሒኻ እዩ።

IV ፍልጠት ብዛዕባ መንፈሳዊ ሂወት

1ቆረንቶስ 12፡1ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።

 መንፈሳዊ ውህበት ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ይጠቅም፡መንፈስዊ ኣገልግሎት ክኣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ይጅምር።”ማለት የሱስ ጐይታ እዩ ብምባል”።

1/የሱስ ጐይታ እዩ ማለት፦

           ምድሓን(ተመክሮ)ይትርጎም።

            ምስክርነት(ኣገልግሎት)ይትርጎም።

እንተዘይ ኮነ ፡ማቴዎስ 7 (Matthew)

20፤ እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።

21፤ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን።

22፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም።

23፤ ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።

ኣብዚ እሞ ነስተውዕል፡ጐይታይ፡ ጐይታይ ዝብሉ፡ብስሙ ዝንበዩ፡ብስሙ ኣጋንንቲ ዘውጽኡ ብስሙ ግብሪ ሓይሊ ዝገብሩ ምንባሮም ዝዛረቡ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን ይብሎም።እዚ ማለት ከኣ ሕጂ ኮነ ቅድሚ ሕጂ ኣይፈለጠኩምን ማለት እዩ

2/ ምድሓን ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ዝኽዉን

             ንሱ ይረትዓካ፡

              ንሱ ይልውጠካ

               ንሱ ይሓትመካ

ስለዚ ልቢ አንተዘይ ተረቲዑ(ምስቂምካ ምንባር)፣ሂወት አንተዘይ ተለዊጡ(ዓለማዊ ናብራ)፡ርግጽነት ዘይብሉ ሂወት፡እንተኾይኙ ፡መንፈስካ ምምርማር የድሊ።

 1ይ ቆረንቶስ 12፡ 3፤ ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ፡ የሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል፡ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ    ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ።

 3/ እምብኣር እት ዉህበት ዝህበና መንፈስ ቅዱስ ዕዩኡ ኣብ ሂወትና ክንድሕን ክሎና እዩ ዝጅምር።

           ዝረትዕ መንፈስቅዱስ ዝሓትም መንፈስ ቅዱስ

እንተዘይ ኮነ ልዕሊ ሰበኽቲ ዝምድሩ ካድረታትን ሃይማኖተኛታትን ክእለትዘለዎም ካርዝማቲክ[charismatic]ኣሎዉ።

1ይ ቆረንቶስ 2 (1 Corinthians)

1-2፤ ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን 3፤ ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ

4-5፤ እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን።

ስለዚ ብብሉጽ ዘረባን ብጥበብ ሰብ ዝስራሕ መንፈሳዊ ዝመስል መንፈሳዊ ግና ዘይኮነ ከምዘሎ ይሕብረና፡

ቆሎሴ 2 (Colossians)

18፤ ሓደ እኳ፡ ትሕትና ብዚመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።

           4/ መሰረት ውህበት ምንፈስ ቅዱስ ትምህርቲ ስላሰ አዩ፡

   1ይ ቆረንቶስ 12፡4፤ እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ።(ዋና ውህበት)

5፤ ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ።(ዋና ኣገልግሎት)

6፤ ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ።(ዋና ሓይሊ)

             5/ውህበታት መንፈስቅዱስ፡

 ሮሜ 12፡6-10

 ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን።

7፤ ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ።

8፤ መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ።

1ይ ቆረንቶስ 12፡8-10፤

 ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡

9፤ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡

10፤ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።

1ይ ቆረንቶስ 12፡7፤ ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ።

8፤ ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡

9፤ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡

10፤ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።

1ይ ቆረንቶስ 12፡28-30፤ ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ።

29፤ ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧

30፤ ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧

ኤፌሶን 4፡11-13፤

 ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ።

1ይ ጴጥሮስ 4፡11፤ ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን።

 V. ትርጉም ቛንቋ

1/ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ናይ መራኽቢ መረዳድኢ መሳርያ እዩ።

 ቛንቋ ብቓላት ዝቖመ ወይ`ውን ብዘይ ቃላት ኮይኑ(ብምልክት); ናብ ብቓላት ዝቖመ  ሓሳባት ኪትርጎም ዝኽእል እዩ።

       እዚ ብቓላት ዝቖመ ቛንቋ ብሙሉእ ሓሳባት ዝቖመ ድማ እዩ። እዚ ብዛዕብኡ እንዛረብ ዘሎና ቛንቋ ግና ብቓላት ዝቖመ አዩ።ስለዚ መልእኽቲ ዘማሓላልፍ ኪኽውን ኣለዎ።

   2/መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቛንቋ እንታይ ይሕብረና።

         ሀ/ብትምህርቲ ዝርከብ ቛንቋ ፡

1ይ ቆረንቶስ 14፡16፤ እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧

1ይ ቆረንቶስ 14 ፡23፤ ደጊም ኩላ እታ ማሕበር ሓቢራ እንተ ተኣከበት፡ ኩላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉ፡ ተጸሊሎምዶ ኣይብሉን እዮም፧

      ለ/ብውህበት ዝርከብ ቛንቋ፡1ይ ቆረንቶስ 14፡13-14፤ ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ።

እዚ ብዘይ ዝስትውዓል(ብዘይ ምርዳእ)እትዛረቦ ኮይኑ ግና ወይ ብመንፈስ ቅዱስ ንኣኻ ወይ`ውን ንኻልኦት ብ ኣተሩጓሚ ዝትርጎም እዩ።  

 ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ ነዛ ሓሳብ ነስተብህለላ

      3/ብመሰረቱ እቲ ውህበት ቛንቋ ምድራውን ሰማያውን እልካ ይፍለ እዩ፧

         ሀ/ቛንቋ ጓና ኢሉ ኣሎ፡

ናይካሊእ ሕዝቢ ቛንቛ

ኤርምያስ 5 (Jeremiah)

15፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከም ጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓያል ህዝቢ፡ ጥንታዊ ህዝቢ፡ ቋንቋኦም ዘይትፈልጦ፡ ዘረባኦም ድማ ዘይተስተውዕሎ ህዝቢ እዮም።

ህዝቅኤል 3 (Ezekiel)

5-6፤ ናብ ቤት እስራኤል እምበር፣ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዐል፣ ዘረባኦም ዝኸቢድ፣ ቃላቶም ዘይተስተውዕሎ ብዙሓት ህዝብታት ኣይተለኣኽካን። ብርግጽ ናባታቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንሲ፣ ምሰምዑኻ ነይሮም።

ኢሳይያስ 28 (Isaiah)

11፤ እምብኣርሲ ብወታእ ከናፍርን ብልሳን ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኽዛረቦ እዩ።

1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

21፤ ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ።

ስለዚ ቛንቋ ኽብል ከሎ ናይ ካልእ ህዝቢ ቛንቋ ማለቱ እዩ እንበር  ቛንቋ ሰማይስ ናይ ኣቦና እንበር ናይጟና ኣይኮነን

1ይ ቆረንቶስ 14፡13-14፤ ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ።

      ለ/ ቛንቋታት ሰብን መላእኽትን ኢሉ ኣሎ

 1ይ ቆረንቶስ 13፡1፤ ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ።

      ሐ/ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡

2ይ ቆረንቶስ 12፡4፤ ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ።

     መ/ ፍልይቲ ንብልጥሻጽር ዝተጻሕፈት ኣላ፡

ዳንኤል 5፡5፤ በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፣ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጻን ጸሐፋን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ እትጽሕፍ ኢድ ረአያ።

ዳንኤል 5፡25፤ እዛ ጽሕፍቲ ጽሕፈት እትብሎ ዘላ ኸኣ፣ መኔ፣ መኔ፣ ቴቄል ኡፋርሲን፣ እዩ።

26-28፤ ትርጓሜኡ ድማ መኔ፣ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጸሮን ጠረሶን፣ ቴቄል፣ ብሚዛን ተመዚንካ፣ ቀሊልካ ተረኽብካ፣ ኡፋርሲን፣ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት፣ ማለት እዩ።  ግናኽ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ብቛንቋ መላእኽቲ ምስ ኣምላኽ ክትዛረቡ ኢኹም ኣይበለን፡ ዝተዛረበ ክኣ የለን። ዜይተተርጎመ ወይ ዘይተረድእዎ ከኣ ኣይንረክብን

ግብሪ ሃዋ 2፡6-8፤ እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም።

7፤ ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧

8፤ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትናበበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡

ግብሪ ሃዋ 19፡6፤ ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን

ግብሪ ሃዋ 10 (Acts)

45-46፤ እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ  ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን  ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።

47፤ ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ  ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡  ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።

እዛ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡እትብል ሓሳብ ነስተብህለላ እሞ ምስ

ግብሪ ሃዋ 15-9

8፤ እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ  ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም።

9፤ ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡  ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። ስለዚ እቲ ንሃዋርያት ዝተዋህበ ኣብምድሪ ዝነበረ እዩ እዞም ዲሒሮም ቛንቋ ዝተዛረቡ ከም ናይሃዋሪይት ምዃኑ ካብተመስከረሉ ዝስትውዓል ቛንቋ እዩ።

ስለዚ እዚ ቛንቋ ጓና ኢልዎ ዘሎ ግና ናይ ካልእ ህዝቢ ቛንቋ ኮይኑ ኣብ ማእከል ማህበር እንተኾይኑ፡ኣተርጓሚ ዘድልዮ ኣብ በይኑ እንተኾይኑ ክኣ ባዕሉ ዝርደኦን ዝፈልጦን ክኸውን ዘለዎ እዩ።

1ይ ቆረንቶስ 14

7-8፤ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧9፤ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧

4/ጥቕሚ ውህበት ቛንቋ

  1/ ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ ፡1ይ ቆረንቶስ 14፡21፤ ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ።

22፤ ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚኣምኑ ኣይኰነን። ትንቢት ግና ነቶም ዚኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን።

ኣብነት ኣብ መጽሓፍቅዱስ ሰለስተ(3) ክፍሊ ጽሑፍ ኣሎዋ ንምልክት ዝተዋህባ

ሀ/ ግብሪ ሃዋ ፡2                                                                                                                                                       

7፤ ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧

8፤ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡

12፤ ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ።

ኣምላኽ ንህዝቢ ዓለም (14 ቛንቋታት ዝዛረቡ ካብ ዝተፈላለዩ ዝመጹ)የስተንክሮም

1ይ ቆረንቶስ 14፡21፤ ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ።

ለ/ግብሪ ሃዋ 10

44፤ ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ።

45-46፤ እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።

47፤ ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።

ንኣይሁድ ኣህዛብ ማዕሪኦም ምኻኖም ከፍልጦም ፡

ግብሪ ሃዋ 15

8፤ እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም።

9፤ ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።

ሐ/ግብሪ ሃዋ 19

2፤ ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ።

3፤ ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት፡ በልዎ።

4፤ ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም።

5፤ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ።

6፤ ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።

ትንቢት ዝስማዕ አዩ ስለዚ ብዝርዳአ ተዛሪቦም ማለት አዩ።

ፍልጠት መንፈስ ቅዱስ ዘይነበሮም ከፍልጦም ከብረሃሎም፡

.ከነስተውዕሎ ዝግባና

1ይ/ግብሪ ሃዋ 2፡2፤ ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ።

3፤ እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ።

4፤ ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።

1/ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ።

2/እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ተራእዮም፣ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ

3/ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።

ኣብ ግብሪ ሃዋ 10፡44፤ ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ

45-46፤ እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።

ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም ፡

ግና ደሃይብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ኣይነበረን እተመቓቀለ ሓዊ ኣይነበረን ግና እቲ ውህበት ሓደዓይነት ነይሩ ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃውርያት 2፡11 ኣብላዕሊ ዝረኣናዮ

ግብሪ ሃዋ 15፡8፤ እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም።

9፤ ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። ብምባል

ግብሪ ሃዋ 2፡11፤ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።

ግብሪ ሃዋ 10፡45-46፤ እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።

 ኣብ ሰለስቲአን  ዘይተተርጎመ የለን

2/ቋንቋ ንምህናጽ ገዝእርእስኻ ይጠቅም 1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

4፤ ቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽ፡ ትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሃንጽ።

ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዝሃንጽ እንተደኣ፦

  ሀ/ነቲዝበሎ ዘስተውዕሎ ኮይኑ፡

1ይ ቆረንቶስ 14፡6፤ ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም

7-8፤ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧

9፤ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧

ለ/እቲ ዝብሃል ዘሎ እንተተርጎሞሉ

1ይ ቆረንቶስ 14፡13-14፤ ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ።

ሐ/ ንኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእስኻውን ምስእትዛረብ

1ይ ቆረንቶስ 14፡28፤ ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።

መ/ምስጢር ምስ ኣምላኽ ምስእትዛረብ

1ይ ቆረንቶስ 14፡2፤ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ።

ኣብዚ ክንግንዘቦ(ከነስተብህለሉ)ዝግበኣና፣

 ቛንቋ ተዘሪቡ እንተዘይ ተተርጎመ እንታይ ይጠቅም፡

1ይ ቆረንቶስ 14፡6፤ ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧

2/መለኸት ናይ ውግእ ዜይፈልጥከ፡መለኽት ምስትሃርመ ከመይ ገይሩ ናብ ኹናት ይወጽእ።

3/  እቲ ብእምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዜተቓነየ እንታይ ይብል ከምዘሎ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧

ፍቓድካ እንተኾይኑ ኣንበባይ ሕቶ ከሓተካ

ዝኮነ ናይ ሙዚቃ ክእለት እንተዘይብልካ

ሙዚቃ እናሃረምካ ዘምር

ወይ ሙዚቃ ሒዙ ዘይፈልጥ ሰብ ሙዚቃ ክሃርመልካ ሕተቶ እሞ ብሓደ ዘምሩ።

ሀ/ዘሚርኩምዶ፧

ለ/እቲ ሙዚቓ ሓጊዝኩም ዶ፧

ርግጸኛ እየ ክትርብሸኩም እንበር ከምዘትሕግዘኩም፡

1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

7-8፤ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧

9፤ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧

ሐ/ እቲ ሙዚቃ እንታይ ከምዝበለ ኣስተውዒልኩምሉ ዶ፧

ኣይመስለንን፡

1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

26፤ ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር ኣለዎ፡ ምህሮ ኣለዎ፡ ራእይ ኣለዎ፡ ቋንቋ ኣለዎ፡ ትርጉም ኣለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር።

4/ ቛንቋ እንተዘይ ተተርጉሙ ኣእምሮ ብዘይፍረ ይኸውን ፡ኢሉ

በኣእምሮ እንተዘይ ዓቢና እግዚኣቢሄር ባህ ኣይብሎን ምኽንያቱ ግቡእና ክንገብር ስለዘይንኽእል።

1ይ ቆረንቶስ 14፡20፤ ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ።

1ይ ቆረንቶስ 13፡11፤ ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ።

እብራውያን 5፡12፤ ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ።

ኤፌሶን 4፡11-13፤ ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ።

እሞ ዜይትርጎም ቛንቋ ኣሎ ማለት ድዩ

1/ዜስትውዓል እንበር ዜትርጎም ቛንቋ የልቦን፡

2/ዜትርጎም ቛንቋ ነይሩ እንትዝኽውን

ሀ/ክትርጎመሉ ይጸሊ ኣይምበለን

1ይ ቆረንቶስ 14፡13-14፤ ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ።

ለ/ነቶም ብዘይስትውዓል ዝጽልዩ ተስፋ ከየቑርጾም ናይ ገልኻትኩም ግና ኣይትሩጎምን ምበሎም ነይሩ

ኣምላኽ ናይ ዕግርግር ኣምላኽ ኣይኮነን

ሐ/ዘይትርጎም ቛንቋ ኔሩ እንተዝኸውን፡ኣብቲ ስርዓት ኣጠቓቕማ ቛንቋ፡ናይ ግድን ተርጓሚ ክህሉ ኣለዎ ኣይምተባህለን`

1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

27፤ ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ።

መ/ ንኣምላኹ ጥራይ ይጸሊ ምኾነ እንበር፡ንርእሱን ንኣምላኽን ይጸሊ ኣይምተባህለን

ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ

1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

28፡ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።

ረ/ጳውሎስ ብመንፈስ ክጽሊ ግናኸ በእምሮይ ድማ  ክጽሊ እየ ኣይምበለን

 1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

15፤ እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።

5/ስርዓት ቛንቋ እንታይ እዩ፡

ሀ/ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

27፤ ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ።

ለ/ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል።

28፤ ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።

ሐ/ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።

6/ዘይትርጎም ቛንቋ ጸሊኻ ትህነጽ አንተትኸውን፡እቲ ዝሰምዓካ ዘሎ`ውን ኽትጽሊ ኮለኻ ምተሃንጸ ኔሩ፡

   1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

17፤ ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸን።

1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

11፤ እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ።

1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

9፤ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧

7/ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዝጽልዮ ዝነበረኽ እንታይ ክንብል ኢና?

ዜይትርጎም ዝነበረ ዶ ይመስል?

ኣይፋሉን፡ኣብ1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

15፤ እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።

 ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ኢሉ ኣሎ

8/ጳውሎስ ረብሓ ቡዙሓት ስለዝመርጽ፡ብዝስትውዓል ክጽሊ እሞ ንሱን ሰማዕቱን ክባረኹ ፈትዩ፡ንዓይ ይርደኦ እየ ብዘየገድስ ክጽሊ እየ ኣይበለን፡ስለዚ ዝርደኣካውን እንተኾነ ተርጓሚ እንተዜለ ኣብ ቅድሚ ሰባት ስቅ በል።

1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

16፤ እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧28፤ ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።

                                        ሕቶን መልስን

1/፤ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ፡ምባሉ ደኣ እንታይ እዩ?1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

2፤ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ።

መልሲ፦እዚ ዝብል ዘሎ እቲ ተዛራቢ ኣየስተውዕሎን ማለት ኣይኮነን።ምኽኒያቱ፦

1/ከመይ ጌሩ ደኣ ርእሱ ኪሃንጽ እዩ፡1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

4፤ ቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽ፡ ትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሃንጽ።

2/ንሩእሱን ን ኣምላኹን ግና ይዛረብ ስለዝብል፡ንርእሱ ኪዛረብ ናይግድን እዩ፡1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

28፤ ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።

3/ዜስትውዓል ስለ ዝበለ ጥራይ እዩ፡ኽትርጎመሉ ይጸሊ ዝብል።1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

13-14፤ ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ።

4/እቲ ዝብሎኸ ክመይ ጌሩ ይፈልጥ።

    1ይ ቆረንቶስ 14 (1 Corinthians)

9፤ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧

   ስለዚ ካሎኦት ከየስተዋዕልዎ ይኽእሉ ይኾኑ፡ንሱ ግና ከስተውዕሎ ግድን አዩ።ምኽንያቱ እቲ ሓለፋ ኩሉ ሰብ

ብቛንቋታት ዝዛረብ ጳውሎስ፡ብመንፈስ ክጽሊ ብ ኣእምሮይ ከኣ ክጽሊ እየ፡ኢሉ ኣሎ።ማለት እቲ ዝጽልዮ በኣእሙሮይ ከኣ ይፈልጦ እየ።

እቲ ኣዚዩ ዘገርም ከኣ

ካብ ኣምልኾ ዜጸረዩ ሰባት ይጽልይሉ

ግጉይ ትምህርቲ ዝስዕቡ ይጽልይሉ

ኣብ ዕልወት ዘለው ይጽልይሉ

ንሓድሕዶም እናተባኣሱ ይጽልይሉ

ብሩኹስ መንፈስ ዝተታሕዙ ይጽልይሉ

1/መንፈስ ቅዱስ ንሓጢኣት ክረትዕ ከምዝመጸ

 ዮሃንስ 16 (John)8፤ ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።

ዮሃንስ 16 (John)14፤ ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።

2/መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ንጽህና ልቢ ኣለዎ፡

ግብሪ ሃዋ 15 (Acts)8፤ እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም፡9፤ ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።

3/ልቡ ዘይነጽሀ ኣብ ኣምላኽ ክፍልን ርስትን የብሉን፡

ግብሪ ሃዋ 8 (Acts)21፤ ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን።

4/ንገዛእርእስና ክንሓታ ዝግብኣና ብሓቂ ዶ ምንጪ እዚ ህያብ እዚ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ እዩ?

.ኣምላኽዶ ነቶም ስሕተት ትምህርቲ ዝሓዙ ህያብ ይህብ ድዩ?

.ንዓለወኛታት ከይተመልሱ ከለው ህያብ ኣምላኽ ክህልዎምዶ ይኽእል እዩ፧

.ህያብ መንፈስቅዱስ ዘለዎ ሰብ ምስ መንፈስቅዱስ ዘለዎ ብሰላም ምንባር ዶ ይጸግሞ እዩ፧

5/እንታይ ደኣ ትእምርትን ተኣምራትን ዝገብሩ በዚ ውህበት (ቛንቋ)ዝጽልዩ ፧

1/ የተርጉሙዎ ድዮም ወይስ ኣየተርግሙዎን ርግጸኛ ዲኻ፧

2/ ኩሉ ትእምርትን ተኣምራትን ካብ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧

ማቴዎስ 24 (Matthew)

24፤ ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።

ራእይ 13 (Revelation)

13፤ ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር።

ማቴዎስ 7 (Matthew)

22፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም።

23፤ ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።

መጠንቀቕታ

ነስትውዕል፡ ነፍሲወከፍ ሰብ ብዛዕባ ዝትግብሮ ተመኩሮታት ኣፍልጦ ክህልዎ ናይግድን እዩ፡ምኽኒያቱ ሲሒቱን ኣስሒቱን እንተሓሊፉ ክሕተት ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

ያእቆብ 3 (James)

1፤ ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።

10፤ ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።

11፤ ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧